Samling 4
ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ፡ ብፍላይ ኣብ ከብዲ / ማህጸንን ከባቢኡን ዘተኰረ።
ዕላማ ናይ ሎሚ ርክብ፡ ብዛዕባ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ማህጸንን ከባቢኡን ከመይ ከም ዝሰርሕ ዝህልወና ኣፍልጦ ክብ ምባልን ኣኽብሮት ምሃብን፡ ከምኡ’ውን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እንተ ተኸንሺባ፡ ኣሰራርሓ ናይቲ ኣካላት ብኸመይ ከም ዝጽሎን ዘሎ ኣፍልጦ ክብ ንምባል ዝዓለመ እዩ። ደቂ ኣስንትዮ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሰን ጥዕና ዘሎወን ኣፍልጦ ሓገዝ ዝርከበሉ ተኽእሎ፡ ኣንጻር ምኽንሻብ መርትዖታት ምቕራብን ብዛዕባኡ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ንቕሓተን ክብ ንምባል እዩ። እቲ ሓፈሻዊ ዕላማ ንናይ ጓል ኣንስተይቲ ኣካላት ጽቡቕ መረዳእታ ንኽህሉ ጻዕሪ ምክያድ እዩ።