Samling 2
ልምድታት: ካብቲ ልምድታትና ነየናይ ኢና ናብ ደቅና ክነተሓላልፎ እንደሊ?
ዕላማ ናይዚ ርክብ እዚ፡ ነተን ተሳተፍቲ ገለ ልምድታት ንናይ ዓሌትካ መንነት ክድግፉን ከሕይሉን ከለዉ፡ ገለ ልምድታት ድማ ጐዳእቲ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ኣፍልጦ ንምሃብ እዩ። እቲ ዕላማ ብተወሳኺ፡ ልምዲ ክብሃል ከሎ እንታይ ማለት ከም ዝኾነ፡ እቲ ልምድታት ብኸመይ ከም ዝቕየርን ነቲ ክትቅጽሎ ትደሊ ልምድታት ዘሎ ኣማራጽታትን ኣብ ግምት ብምእታው ንቕሓተን ክብ ንምባል እዩ። ንካልኦት ሰባትን ንልምድታቶምን / ንባህልታቶምን ኣኽብሮትን ዕብየትን ምሃብ’ውን ሓደ ዕላማ እዩ።